54 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር፥ ሹም ደቂ ምናሴ ነበረ።
ካብ ኤፍሬም ወዲ ዮሴፍ፥ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ፥ ካብ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፥ ገማልኤል ወዲ ፈዳሱር፥
ምስኡ ለጊቡ ኸዓ ነገድ ምናሴ ይስፈር። ሹም ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር እዩ።
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ እዙይ እዩ።
ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥