43 ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ጐደሎ ዘይብሎም ክልተ ጡበታት ኣባጊዕን፥ ጐደሎ ዘይብላ ዓመት ዝገበረት ሓንቲ በጊዕን፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ሰለስተ ኺሎ ልሑም ሕሩጭን ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይትን የምፅእ።
ቍርባንካ ኣብ መቝሎ ዝተሰንከተ ናይ እኽሊ ቝርባን፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ ናይ ልሑም ቅጫ ይኹን።
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
ንሳ ኸምቲ እኖኣ ኣቐዲማ ዝመኸረታ፥ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ ኣብ ፃሕሊ ጌርካ ሃበኒ” በለቶ።
ፅድቂ ፈተኻ፤ ዓመፅውን ፀላእኻ፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ሕልፊ ብፆትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ” ይብል።
ንስኻትኩም ግና፥ እቲ ኻብ ክርስቶስ ዝተቐበልኩምዎ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣባኻትኩም ይነብር እዩ እሞ፥ ሓደኳ ኽምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። መንፈስ ቅዱስ፥ ብዛዕባ ዅሉ ኽምህረኩም እዩ፤ ትምህርቱ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ሓሰት ኣይኮነን። እምበኣር ከምቲ ዝመሃረኩም፥ ኣብ ክርስቶስ ፀኒዕኹም ንበሩ።