40 ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሳዳይ እዙይ እዩ።