4 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ
ንሳቶም ከዓ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ገይሮም ካብታ ኣብ ኰረብታ ዝነበረት ቤት ኣሚናዳብ ኣምፅእዎ፤ ነቲ ሓድሽ ሰረገላውን ዖዛን ኣሕዮን፥ ደቂ ኣሚናዳብ፥ ይመርሕዎ ነበሩ።
ውህብቶኦም ሽዱሽተ ኽዱናት ሰረገላታትን ዓሰርተ ኽልተ ኣብዑርን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምፅኡ፤ ንኽልተ ሹም ሓደ ሰረገላ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሹም ሓደ ብዕራይ ናብ ቅድሚ መሕደሪ ኣቕረብዎ።
“ኣብ ኣገልግሎት እቲ መራኸቢ ድንኳን ንመስርሒ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ መባእ ካብኣቶም ተቐቢልካ፥ ነቶም ሌዋውያን ንነፍሲ ወከፎም ከከም ኣገልግሎቶም ሃቦም” በሎ።