39 ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
እቲ እትመርፅዎ እንስሳ፥ ዓመት ዝገበረ፥ ነውሪ ዘይብሉ ተባዕታይ በጊዕ ወይ ጤል ይኹን።
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥
ንፅባሒቱ፥ ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ “ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ፥ ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ እንሆ!” በለ።
እቲ ዘንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ፅሑፍ ከዓ፦ “ከም በጊዕ፥ ናብ ማሕረዲ ተዀብኰበ፤ ከምቲ ኣብ ቕድሚ መቃሲኡ ስቕ ዝብል በጊዕ ከዓ፥ ኣፉ ኣይከፈተን፤
ኣብ ማእኸል እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ ኣብ ማእኸል እቶም ኣሕሉቕን፥ ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዝመስል በጊዕ፥ ደው ኢሉ ረአኹ። ንሱ፥ ሸውዓተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣዒንትን ኣለዉዎ፤ ንሳቶም ከዓ፥ እቶም ናብ ኵላ ምድሪ ዝተልኣኹ፥ ሸውዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሄር እዮም።