29 ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤልያብ ወዲ ኬሎን እዙይ እዩ።
ካብ ዛብሎን፥ ኤልያብ ወዲ ኬሎን፥
ቀፂሉ ዝሰፍር ከዓ ነገድ ዛብሎን እዩ፤ ሹም ደቂ ዛብሎን ድማ ኤልያብ ወዲ ኬሎን እዩ።
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥
ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤሊሱር ወዲ ሸዴዉር፥ ሹም ደቂ ሮቤል ነበረ።