19 ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
ቍፅሩ ኸዓ፦ ሰላሳ ወርቂ ጭሐሎ፥ ሽሕ ብሩር ጭሐሎ፥ ዕስራን ትሽዓተን ካራታት፥
ፅሩይ ወርቂ ጌርካ ንመፍሰሲ ንኽኾኑ ፃሕልታት፥ ሒላባት፥ ኵስኵስትታት፥ ፅዋዓት ድማ ስራሕ።
ከምኡውን ነቲ ድስትታትን መፅሓሪታትን ካራታትን ሒላባትን ፅዋዓትን፥ ንዅሉ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ብነሃስ ዝተሰርሑ ኣቑሑን ብምሉኡ ወሰድዎ።
ዝኾነ ሰብ ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ ኸቕርብ እንተሎ፥ እቲ መስዋእቱ ኻብ ልሑም ሕሩጭ ይኹን፤ ዘይቲ የፍስሰሉ፤ ዕጣንውን ይግበረሉ፤
ንኽልተ ባሪቶ ወይ ንኽልተ ርግቢ ዝኸውን ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ግና፥ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ዝስውኦ፥ ዓስራይ ክፍሊ መስፈሪ ኢፍ ልሑም ሕሩጭ የምፅእ። ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ዘይቲ ኣየፍስሰሉ፤ ዕጣን እውን ኣይግበረሉ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቃጭል ኣፍራስ “ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ” ዝብል ክፀሓፍ እዩ። እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘሎ ድስትታት ከዓ፥ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ዘሎ ሒላባት ቅዱስ ክኸውን እዩ።
ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ናትናኤል ወዲ ሶገር፥ ሹም ደቂ ይሳኮር ነበረ።
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
ንሳ ኸምቲ እኖኣ ኣቐዲማ ዝመኸረታ፥ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ ኣብ ፃሕሊ ጌርካ ሃበኒ” በለቶ።
ሽዑ ቐልጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያ፥ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ፥ ሕዚ ኣብ ፃሕሊ ጌርካ ሃበኒ” በለቶ።