16 ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥
ሓጢኣት ከም ዝገበረ ምስ ተፈለጦ፥ ንመስዋእቲ ዝኸውን ካብ ኣጣሉ ሓደ ተባዕታይ ጐደሎ ዘይብሉ ጤል የምፅእ።
እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ደም እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝሕረድ ጤል በፃብዕቱ ይውሰድ፤ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ ኣቕርንቲ መሰውኢ ይልከዮ። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ።
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥