14 ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ፅዋዓትን መሳቐይታትን ጭሐሎታት ፅንሃሃትን መፅሓሪታትን፥ ብወርቂ ዝተገብረ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓፁን፥ ናይ መቕደስ መዓፁን፥ ወንዲ ወንዶታትን ኣስርሐ።
ምስ ወድኡ ድማ ነቲ ዝተረፈ ገንዘብ ናብ ንጉስ ኢዮኣስን ካህን ዮዳሄን ኣምፅእዎ፤ ካብኡ ድማ ንቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን፥ ኣቑሑ ንኣገልግሎትን ንዝቃፀል መስዋእትን፥ ውንጭሕትታትን ጭልፋታትን ካልእ ኣቑሑ ወርቅን ብሩርን ገበሩ። ዮዳሄ ኽሳዕ ዘሎ ኸዓ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ።
ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ጕጠታትን ጭሐሎታትን ማንካታትን ፅንሃሃትን፥ ብወርቂ ሰርሐ፤ ናይ ቤተ መቕደስ መዓፁን ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓፁን ከዓ ካብ ወርቂ ነበረ።
ንቐንዲል ዝኸውን ዘይቲ፥ ንመቕብኢ ዘይትን ንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን መስርሒ ዝኸውን ቀመማት፥
ነቲ ኣብ ጠረጴዛ ዝቕመጥ ኣቑሑ፥ ሒላባትን ውንጭሕትታትን ፅዋዓትን፥ ነቲ መስዋእቲ መስተ ዘፍስሰሉ ዅስኵስትታትን፥ ብፅሩይ ወርቂ ሰርሖ።
“ነቲ ሕብስቲ ቝርባን ዘንብሩሉ ጠረጴዛ ድማ ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑሉ። ኣብኡ ኸዓ ሒላባትን ውንጭሕትታትን ፅዋዓትን እቶም ንመስዋእቲ መስተ ዝኾኑ ዅስኵስትታትንውን ይስርዑ፤ እቲ ዅልሻዕ ኣብኡ ዘንብርዎ ሕብስቲ ቝርባን ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን።
ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥