13 ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
ዓሰርተ መቐመጢ ኣቑሑ፥ ዓሰርተ ገበራ፥
ድስትታትን መፅሓሪታትን ጭሐሎታትን ነበሩ። እዝ ዅሉ ኪራም ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሐሉ ኣቑሑ ብፅሩይ ነሃስ ዝተሰርሐ ነበረ።
እቲ ንጉስን መማኽርቱን ኣሕሉቑን፥ እቶም ካብ እስራኤል እተረኽቡ ዅላቶምን ንቤት ኣምላኽና ዝቐደስዎ ውህብቶኦም ብሩርን ወርቅን ኣቓሑን መዚነ ሃብክዎም።
ፅሩይ ወርቂ ጌርካ ንመፍሰሲ ንኽኾኑ ፃሕልታት፥ ሒላባት፥ ኵስኵስትታት፥ ፅዋዓት ድማ ስራሕ።
ዝተቘፀረ ዅሉ ብሚዛን መቕደስ ሽዱሽተ ግራም ብሩር ይኽፈል። እዝ ሽዱሽተ ግራም ብሩር ናባይ ዝቐርብ መባእ እዩ።
ነቲ ኣብ ጠረጴዛ ዝቕመጥ ኣቑሑ፥ ሒላባትን ውንጭሕትታትን ፅዋዓትን፥ ነቲ መስዋእቲ መስተ ዘፍስሰሉ ዅስኵስትታትን፥ ብፅሩይ ወርቂ ሰርሖ።
እቲ ኣዛዚ ዘብዐኛታት፥ ካብ ንፁህ ወርቅን ብሩርን ኵሉ ኣፃሕልን መፅሓሪታትን ሒላባትን ድስትታትን ቀዋሚ ቐንዲልን ፅንሃሃትን ፅዋዓትን፥ እዝ ኣዛዚ ሰራዊት ወሰዶ።
ንጉስ ብልጣሶር ወይኒ ምስ ጠዓመ፥ ንሱን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቍባቱን ብእኡ ምእንቲ ኽሰትዩ፥ ነቲ ኣቦኡ ናቡከደነፆር ካብ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ዝወሰዶ፥ ኣቑሑ ወርቅን ብሩርን ከምፅእዎ ኣዘዘ።
ዝኾነ ሰብ ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ ኸቕርብ እንተሎ፥ እቲ መስዋእቱ ኻብ ልሑም ሕሩጭ ይኹን፤ ዘይቲ የፍስሰሉ፤ ዕጣንውን ይግበረሉ፤
ኵሉ ኣገማምታኻ ብሚዛን ሰቕሊ መቕደስ ይኹን። ሓደ ሰቕሊ ዕስራ ጌራ እዩ።
ብሚዛን ቤተ መቕደስ፥ ካብ ዕስራ ዓመት ክሳዕ ስሳ ዓመት ዝዕድመኣቶም፥ ንሰብኣይ ሓምሳ ሰቕሊ ብሩር ይኹን።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቃጭል ኣፍራስ “ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ” ዝብል ክፀሓፍ እዩ። እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘሎ ድስትታት ከዓ፥ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ዘሎ ሒላባት ቅዱስ ክኸውን እዩ።
እቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ዘቕርብ ሰብ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን፥ ብሓደ ሊትሮ ዘይቲ ዝተለወሰ ሓደ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ የቕርብ።
ንመስዋእቲ እኽሊ ብኢን መስፈሪ ራብዓይ ኢድ ተወቒጡ ብዝፀለለ ዘይቲ ዝተለወሰ ብመስፈሪ ኢፍ ዓስራይ ኢድ ፅቡቕ ሕሩጭ ኣቕርብ።
እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ እዩ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
ሓሙሽተ ቕርሺ ብሩር ንነፍሲ ወከፍ እናኽፈልካ ተቤዘዎም።
እቲ ብቐዳመይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ካብ ነገድ ይሁዳ ነበረ።
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
ነታ ርእሱ ብፃሕሊ ኣምፂኦም፥ ነታ ጓል ሃብዋ፤ ንሳ ድማ ወሲዳ ንኖኣ ሃበታ።
ንሳ ኸምቲ እኖኣ ኣቐዲማ ዝመኸረታ፥ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ ኣብ ፃሕሊ ጌርካ ሃበኒ” በለቶ።