11 እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ንሙሴ “እቲ ናይ መሰውኢ መባረኺ መባኦም፥ ኣሕሉቕ በብመዓልቶም የቕርቡ” ኢሉ ኣዚዝዎ ስለ ዝነበረ እዩ።
እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ ንመባረኺኡ ዝኸውን መባእ ኣምፅኡ፤ ናብ ቅድሚ መሰውኢ ኸዓ ኣቕረቡ።
እቲ ብቐዳመይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ካብ ነገድ ይሁዳ ነበረ።
እግዚኣብሄር ናይ ሰላም ኣምላኽ እምበር፥ ናይ ሁከት ኣምላኽ ኣይኮነን። ኣብ ኵለን ናይ ቅዱሳን ኣብያተ ክርስቲያናት ከምዙይ እዩ።
እንተ ኾነ ዅሉ ብስርዓትን ብኣገባብን ደኣ ይኹን።
ኣነ ብስጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየለኹ፥ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፤ ብስርዓት ምንባርኩምን፥ ኣብ ክርስቶስ ዘለኩም ፅኑዕ እምነትን እናረአኹ፥ እሕጐስ ኣለኹ።