Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 6:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ብድንገት ኣብ ጥቓኡ ሰብ እንተ ሞተሞ፥ እቲ ብመብፅዓ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ድማ እንተ ረኸሰ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ርእሱ ይላፂ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ይነፅህ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 6:9
11 Referencias Cruzadas  

በታ ኣብታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ኣብ መቕደስ ከገልግል፥ ኣብ መቕደስ ዝኣትወላ መዓልቲ ኸዓ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርብ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።


እቲ ዝነፅሀ ሰብ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ኵሉ ፀጕሩ ድማ ይላፀ፤ ብማይ እውን ይተሓፀብ፤ ሽዑ ይነፅህ፤ ድሕሪዙይ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ፤ ግና ኣብ ወፃኢ ድንኳን ሸውዓተ መዓልቲ ይቀመጥ።


ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ዅሉ ፀጕሩ ይላፀ፤ ርእሱን ጭሕሙን ከበሮ ዓይኑን ኵሉ ፀጕሩን ይላፀ፤ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓፀብ፤ ሽዑ ንፁህ ይኸውን።


እቲ ናዝራዊ ድማ ነቲ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይላፅዮ፤ ናብቲ ትሕቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘሎ ሓዊ ድማ የእትዎ።


ብዅለን እተን ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ዝተፈለየለን መዓልቲታት፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እዩ።


ጳውሎስ ኣብ ቆሮንቶስ፥ ምስ ብፆቱ ንቑሩብ መዓልቲ ምስ ቀነየ፥ ካብቶም ኣሕዋት ተሰናቢቱ፥ ምስ ጵርስቅላን ኣቂላን፥ ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ። ቅድሚ ምኻዱ ግና መብፅዓ ስለ ዝነበሮ፥ ክንክራኦስ ኣብ ዝተብሃለ ኸተማ ርእሱ ተላፀየ።


እተን ሸውዓተ መዓልቲ ኽውድኣ ምስ ቀረባ፥ ካብ ሃገር እስያ ዝመፁ ኣይሁድ፥ ንጳውሎስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረአይዎ፤ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኣለዓዒሎም ድማ ሓዝዎ።


ናብ ውሽጢ ኣባይትኹም ኣእትዉወን፤ ርእሰን ይላፀያ፤ ፅፍረንውን ይቈረፃ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos