8 ብዅለን እተን ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ዝተፈለየለን መዓልቲታት፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እዩ።
እቲ “ናዝራዊ እየ” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ዝተመባፅዖ ፀጕሪ ኣብ ርእሱ ስለ ዘሎ፥ ብሞት ኣቦኡ ወይ እኖኡ ወይ ሓዉ ወይ ሓፍቱ ኣይርከስ።
ብድንገት ኣብ ጥቓኡ ሰብ እንተ ሞተሞ፥ እቲ ብመብፅዓ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ድማ እንተ ረኸሰ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ርእሱ ይላፂ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ይነፅህ።
ነዝ ህፃንዙይ ክህበኒ እየ ዝልምን ዝነበርኩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ዅሉ እቲ ዝለመንክዎ ሂቡኒ።
ስለዙይ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ ኣለኹ፤ ምሉእ ዕድሚኡ ንእግዚኣብሄር ተውሂቡ እዩ” በለት። ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ሰገዱ።