7 እቲ “ናዝራዊ እየ” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ዝተመባፅዖ ፀጕሪ ኣብ ርእሱ ስለ ዘሎ፥ ብሞት ኣቦኡ ወይ እኖኡ ወይ ሓዉ ወይ ሓፍቱ ኣይርከስ።
“ከይረኽሱ፥ ናብ ምዉት ሰብ ኣይቕረቡ፤ በቦን እኖን ብወድን ጓልን ብሓውን ብዘይአእተወት ሓፍትን ጥራሕ ይርከሱ።
ብዅለን እተን ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ዝተፈለየለን መዓልቲታት፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እዩ።
ግና ብምኽንያት ሬሳ ምዉት ሰብ ዝረኸሱ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ፋሲካ ኸብዕሉ ዘይከኣሉ ሰባት ነበሩ። ንሳቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን መፂኦም፥