6 በተን ንእግዚኣብሄር ዝተፈለየለን ኵለን መዓልቲታት ናብ ዝሞተ ሰብ ኣይቕረብ።
ሰብ እንተ ሞተኩም ስጋኹም ኣይትባሕጭሩ፤ ብውቃጦ ድማ ምልክት ኣይትግበሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ሬሳ ሰብ ኣብ ዘለዎ ኣይእቶ፤ ሬሳ ኣቦኡን እኖኡን ብምንካእ ድማ ኣይርከስ።
እቲ ቕድስና ናይ ኣምላኹ ቕብኣት ዘይቲ ኣብ ልዕሊኡ እዩ እሞ፥ ካብ መቕደስ ኣይውፃእ። መቕደስ ኣምላኹ ኸዓ ኣየርክስ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
እምበኣር፥ ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብስጋዊ መንገዲ፥ ንሓደኳ ኣይንፈልጥን ኢና። ንክርስቶስ ብስጋዊ መንገዲ ፈሊጥናዮ እንተ ነበርና እኳ፥ ሕዚ ግና ኸምኡ ኣይንፈልጦን ኢና።