5 በተን ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ዝተፈለየለን መዓልቲታት ኣይላፀ፤ ፀጕሪ ርእሱውን ኣይቈረፅ። እተን ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየለን መዓልቲታት ክሳዕ ዝመልኣ ቅዱስ ይኹን፤ ፀጕሪ ርእሱ ኸዓ የንውሕ።
“ነቲ ፀጕሪ ርእሶም፥ በብሓፂሩ ደኣ ኽቘርፅዎ እዮም እምበር፥ ርእሶም ኣይላፅዩን፤ ፀጕሮም ድማ ኣየንውሑን እዮም።
በቲ ናዝራዊ ኾይኑ ዝነብረሉ እዋን፥ ፍረኡ ኾነ ገፈሉ፥ ወይ ዝኾነ ይኹን ካብ ኦም ወይኒ ኣይብላዕ።
ጳውሎስ ኣብ ቆሮንቶስ፥ ምስ ብፆቱ ንቑሩብ መዓልቲ ምስ ቀነየ፥ ካብቶም ኣሕዋት ተሰናቢቱ፥ ምስ ጵርስቅላን ኣቂላን፥ ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ። ቅድሚ ምኻዱ ግና መብፅዓ ስለ ዝነበሮ፥ ክንክራኦስ ኣብ ዝተብሃለ ኸተማ ርእሱ ተላፀየ።
ምስ ወለድኪ እቲ ቘልዓ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ናይ እግዚኣብሄር ናዝራዊ ክኸውን እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ርእሱ መላፀ ኣይሓልፎን፤ ንሱ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕኖም ክጅምር እዩ።”
ኵሉ ናይ ልቡ ኸዓ ገለፀላ “ኣነ ኻብ ከርሲ እኖይ ጀሚረ ንኣምላኽ ዝተወፈኹ ናዝራዊ እየ እሞ ርእሰይ ተላፅየ ኣይፈልጥን፤ ስለዙይ እንተ ተላፀኹ፤ ሓይለይ ይደክም፤ ከም ኵሉ ሰብ ከዓ ድኹም እኸውን” በላ።
ንሳ ኸዓ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፤ ሓደ ሰብኣይ ፀዊዓ ድማ ነቲ ሸውዓተ ጕንጉን ርእሱ ኣላፀየቶ፤ ክተዋርዶውን ጀመረት፤ ንሱ ኸዓ ኽደክም ጀመረ፤ ሓይሉውን ካብኡ እናተፈለየ ኸደ።
“ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር! ውርደት ባርያኻ ኣፀቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፥ ንኣይ ንባርያኻ እውን እንተይረሳዕኻ ወዲ እንተ ደኣ ሂብካኒ፥ ኣነ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ክውፍዮ እየ፤ ርእሱ ኸዓ ኸቶ ኣይላፀን እዩ” እናበለት ተመባፅዐት።