4 በቲ ናዝራዊ ኾይኑ ዝነብረሉ እዋን፥ ፍረኡ ኾነ ገፈሉ፥ ወይ ዝኾነ ይኹን ካብ ኦም ወይኒ ኣይብላዕ።
ሕጊ ናዝራውያን እዙይ እዩ። ሓደ ናዝራዊ ግና እንትርፊ እቲ ዝተመባፅዖ፥ ካልእ ነገር ብመብፅዓ እንተ ኣተስፈወ፥ መብፅዓኡ ይፈፅም።
ካብ ወይንን ካብ ዘስክር መስተን ይከልከል። ዝመፀፀ ወይኒ ኾነ ወይ ዝመፀፀ ዘስክር መስተ ኣይስተ፤ ዝኾነ ኻብ ወይኒ ዝተፀምቈ ኣይስተ፤ ካብ ወይኒ ድማ ብሸዊቱ ኾነ ወይ ብንቑፁ ኣይብላዕ።
በተን ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ዝተፈለየለን መዓልቲታት ኣይላፀ፤ ፀጕሪ ርእሱውን ኣይቈረፅ። እተን ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየለን መዓልቲታት ክሳዕ ዝመልኣ ቅዱስ ይኹን፤ ፀጕሪ ርእሱ ኸዓ የንውሕ።
ካብ ወይኒ ኻብ ዝርከብ ኵሉ ኣይትብላዕ፤ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይትስተ፤ ኵሉ ርኹስ ዝኾነውን ኣይትብላዕ፤ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝክዋ ድማ ትሓሉ” በሎ።