Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 6:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ካብ ወይንን ካብ ዘስክር መስተን ይከልከል። ዝመፀፀ ወይኒ ኾነ ወይ ዝመፀፀ ዘስክር መስተ ኣይስተ፤ ዝኾነ ኻብ ወይኒ ዝተፀምቈ ኣይስተ፤ ካብ ወይኒ ድማ ብሸዊቱ ኾነ ወይ ብንቑፁ ኣይብላዕ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 6:3
15 Referencias Cruzadas  

“ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክትኣትዉ እንተለኹም ምእንቲ ኸይትሞቱ ንስኻን ደቅኻን ወይንን ዘስክር መስተን ኣይትስተዩ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ እዩ።


ካብ ኣወዳት ደቅኹም ንነቢያት፥ ካብ ኣጓብዝኩም ከዓ ንናዝራውያን ኣተሳእኹ። ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ እዙይ ከምኡዶ ኣይኮነን? ይብል እግዚኣብሄር።


ንስኻትኩም ግና ነቶም ናዝራውያን ወይኒ ኣስተኹምዎም፤ ንነቢያት ከዓ ‘ኣይትነበዩ’ ኢልኩም ኣዘዝኩምዎም።


በቲ ናዝራዊ ኾይኑ ዝነብረሉ እዋን፥ ፍረኡ ኾነ ገፈሉ፥ ወይ ዝኾነ ይኹን ካብ ኦም ወይኒ ኣይብላዕ።


ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ወይንን ዘስክር መስተን ከቶ ኣይሰትን እዩ። ገና ኣብ ማህፀን እኖኡ እንተሎ፥ መንፈስ ቅዱስ ክመልኦ እዩ።


“እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ብድንገት ከይትመፀኩምስ፥ ብስስዐን ብስኽራንን፥ ብናይ ናብራ ሓሳብን፥ ልብኹም ከይኸብድ ንርእስኹም ተጠንቀቑ!


ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር፥ ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ።


ክፉእ ካብ ዝኾነ ኵሉ ረሓቑ።


ስለ ኸብድኻን ስለ እቲ ዝመላለሰካ ሕማምን፥ ቁሩብ ወይኒ ስተ እምበር፥ ማይ ጥራሕ ኣይትስተ።


እዙይ እቲ ዘመን ምሕዳስ ክሳዕ ዝመፅእ ዝግበር፥ ናይ ብልዕን መስተን፥ ናይ በብዓይነቱ ዝኾነ፥ ናይ ምንፃህ ኣፍኣዊ ስርዓት ጥራሕ እዩ ነይሩ።


ካብ ወይኒ ኻብ ዝርከብ ኵሉ ኣይትብላዕ፤ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይትስተ፤ ኵሉ ርኹስ ዝኾነውን ኣይትብላዕ፤ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝክዋ ድማ ትሓሉ” በሎ።


እምበኣር ካብ ሕዚ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ከይትሰትዪ፤ ርኹስ ዝኾነ ዅሉውን ከይትበልዒ ተጠንቀቒ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos