27 “ከምዙይ ገይሮም ስመይ ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል የንብሩ፤ ኣነውን ክባርኾም እየ።”
እቲ ሰብኣይ ድማ “ምድሪ ይወግሕ ኣሎ እሞ ክኸይድ ስደደኒ” በሎ። ያእቆብ ከዓ “እንተይባረኽካኒ ኣይሰደካን እየ” በሎ።
ያእቆብ ከዓ “በይዛኻ ስምካ ንገረኒ” ኢሉ ጠየቆ። ንሱ ድማ “ስለ ምንታይ ስመይ ትጥይቐኒ?” በሎ፤ ሽዑውን ባረኾ።
ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ህዝቢ ምእንቲ ክኾነካ፥ ባዕልኻ ዘድሓንካዮ እዩ። ምእንቲ እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝቢ ኢልካ፥ ነህዛብ ምስ ኣማልኽቶም ብዓቢይን ብዘደንግፅ ተኣምራትን ካብ ቅድሚኡ ሰጒጕካ ስምካ ዘፀዋዕኻ፥ ኣብ ምድሪ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ህዝቢ መን ኣሎ?
ያቤፅ ድማ፦ “ኦ ኣምላኽ! በይዛኻ ባርኸኒ፤ ወሰናተይ ከዓ ኣግፍሐለይ፤ ኢድካውን ምሳይ ትኹን፤ ሓዘን ካብ ዘምፅአለይ ክፉእ ነገር ሓልወኒ” ኢሉ ንኣምላኽ እስራኤል ፀውዐ። ኣምላኽ ከዓ ኸምቲ ዝለመኖ ገበረሉ።
እዞም ብስመይ ዝተሰምዩ ህዝበይ ከዓ ርእሶም ኣዋሪዶም እንተ ለመኑ፥ ገፀይውን እንተ ደለዩ፥ ካብ ክፉእ መንገዶም ድማ እንተ ተመለሱ፥ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፤ ሓጢኣቶም ከዓ ይቕረ ኽብለሎም፥ ምድሮምውን ክፍውስ እየ።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ንፃድቕ ትባርኾ፤ ኦ ጐይታ፥ ከም ዋልታ ብሞገስ ከለልካና።
እግዚኣብሄርውን ክባርኸና እዩ፤ ኵሎም ወሰናት ምድሪ ኸዓ ኽፈርሕዎ እዮም።
ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ‘ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ’ ብዝብል ስም እየ ዝተገለፅኩሎም። ‘እግዚኣብሄር’ ብዝብል ስመይ ግና ኣይተገለፅኩሎምን።
ኵሉ እቲ ብስመይ ዝተፀውዐ፥ ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝሰራሕኹዎን ዝገበርኩዎን፥ ኣምፅእ” ክብሎ እየ።
ስለ ምንታይከ ኸምቲ ቀባሕባሕ እናበለ፥ ከናግፍ ዘይኽእል ጅግና ትኸውን? ኦ እግዚኣብሄር ንስኻ፥ ብርግፅ ኣብ ማእኸልና ኣለኻ፤ ንሕና ብስምካ ተፀዊዕና ኢና እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣይትሕደገና።
እንሆ ንኽባርኽ ትእዛዝ ተቐቢለ እየ፤ ንሱ ባሪኹ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኽመልሶ ኣይክእልን እየ።
እምበኣር ኪዱ እሞ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕክምዎም፥ ነቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኹም ምእንቲ ኽሕልዉዎውን እናመሃርኩምዎም፥ ደቀ መዛሙርት ግበርዎም፤ እንሆ፥ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም እየ።”
እቲ ብዅሉ መንፈሳዊ በረኸት፥ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና፥ ኣቦ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ።
ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኸዓ ብስም እግዚኣብሄር ከም ዝተፀዋዕኹም ሪኦም ክፈርሑኹም እዮም።