21 ሕጊ ናዝራውያን እዙይ እዩ። ሓደ ናዝራዊ ግና እንትርፊ እቲ ዝተመባፅዖ፥ ካልእ ነገር ብመብፅዓ እንተ ኣተስፈወ፥ መብፅዓኡ ይፈፅም።
ንመዝገብ እቲ ስራሕ ዝኸውን ከከም ዓቕሞም ስሳን ሓደን ሽሕ ዳሪክ ወርቂ፥ ሓሙሽተ ሽሕ ምናን ብሩር፥ ልብሲ ኻህናት ድማ ሚእቲ ሃቡ።
ሕጊ ቕንኣት እዙይ እዩ፦ ሰበይቲ ንሰብኣያ ጠሊማ እንተ ረኸሰት፥
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ናዝራዊ ክኸውን ንእግዚኣብሄር ክውፈ እንተ ተመባፅዐ፥
ሽዑ እቲ ኻህን ከምቲ እናወዝወዝካ ናባይ ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ይወዝውዞ። እዙይ ምስቲ ዝውዝወዝ ሓኸለን ፍሉይ እግርን ነቲ ኻህን ይኹን። ድሕሪዙይ እቲ ናዝራዊ ወይኒ ኽሰቲ ይኽእል።
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
እቲ ነቲ ቓል ዝመሃር ከዓ፥ ካብቲ ዘለዎ ፅቡቕ ነገራት ምስቲ መምህሩ ይካፈሎ።
ሰናይ ምግባርን፥ ዘለኩም ንኻልኦት ምክፋልን ኣይትረስዑ፤ ከምዙይ ዝበለ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር የሕጕሶ እዩ እሞ።