18 እቲ ናዝራዊ ድማ ነቲ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይላፅዮ፤ ናብቲ ትሕቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘሎ ሓዊ ድማ የእትዎ።
ነቲ ማጕላ ድማ ምስቲ ኣብ መሶብ ዘሎ ዘይበዅዐ እንጀራ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ገይሩ ይሰውኣዮ፤ ምስኡ ኸዓ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ይሰውእ።
በተን ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ዝተፈለየለን መዓልቲታት ኣይላፀ፤ ፀጕሪ ርእሱውን ኣይቈረፅ። እተን ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየለን መዓልቲታት ክሳዕ ዝመልኣ ቅዱስ ይኹን፤ ፀጕሪ ርእሱ ኸዓ የንውሕ።
ብድንገት ኣብ ጥቓኡ ሰብ እንተ ሞተሞ፥ እቲ ብመብፅዓ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ድማ እንተ ረኸሰ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ርእሱ ይላፂ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ይነፅህ።
ከምኡ ድማ፥ ንስኻትኩም ኵሉ ዝተኣዘዝኩምዎ ምስ ገበርኩም፥ ‘ንሕና ዘይንጠቅም ኣገልገልቲ ኢና፤ እቲ ኽንገብሮ ዝግብአና ኢና ዝገበርና በሉ’ በሎም።”
ጳውሎስ ኣብ ቆሮንቶስ፥ ምስ ብፆቱ ንቑሩብ መዓልቲ ምስ ቀነየ፥ ካብቶም ኣሕዋት ተሰናቢቱ፥ ምስ ጵርስቅላን ኣቂላን፥ ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ። ቅድሚ ምኻዱ ግና መብፅዓ ስለ ዝነበሮ፥ ክንክራኦስ ኣብ ዝተብሃለ ኸተማ ርእሱ ተላፀየ።
እምበኣር ከምዝ እንብለካ ግበር፤ መብፅዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰባት ኣለዉና፤
ምሳኻ ተማልኣዮም እሞ፥ ምስኣቶም ንባዕልኻ ኣንፅህ፤ ርእሶም ይላፀዩ፤ እቲ ንቤተ መቕደስ ዝግባእ መባእ ድማ፥ ንስኻ ኽፈለሎም፤ ሽዑ ንስኻ ባዕልኻ እኳ፥ ሕጊ እናሓለኻ ኸም እትመላለስን፥ እዝ ዅሉ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ኸዓ፥ ሓቂ ኸም ዘይኮነን፥ ኵላቶም ክፈልጡ እዮም።
ንፅባሒቱ ጳውሎስ፥ ነቶም ሰባት ሒዙ ምስኣቶም ንባዕሉ ኣንፅሀ፤ ብድሕሪዙይ እቲ መዓልቲ ምንፃሆም መኣዝ ኸም ዝውዳእን፥ ንነፍሲ ወከፎም ድማ፥ መስዋእቲ መኣዝ ከም ዘቕርቡን ኽነግር፥ ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ።
እዙይ ከዓ፥ በቲ ዘፍቅሮ ወዱ ገይሩ ዝሃበና ኽቡር ፀጋ፥ ምእንቲ ኽምስገን ኢሉ እዩ።