13 ሓደ ናዝራዊ፥ እተን ናዝራዊ ኾይኑ ዝተፈለየለን መዓልቲታት ምስ መልኣ፥ እቲ ሕጊ ኸምዙይ እዩ፦ ናብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን የምፅእዎ።
ከም ብሓድሽ ከዓ ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ይወፈ፤ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ ኸዓ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ የምፅእ። እቲ ናዝራዊነቱ ስለ ዝረኸሰ፥ እተን ቀዳሞት መዓልቲታት ከንቱ እየን።
እምበኣር ከምዝ እንብለካ ግበር፤ መብፅዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰባት ኣለዉና፤
ንፅባሒቱ ጳውሎስ፥ ነቶም ሰባት ሒዙ ምስኣቶም ንባዕሉ ኣንፅሀ፤ ብድሕሪዙይ እቲ መዓልቲ ምንፃሆም መኣዝ ኸም ዝውዳእን፥ ንነፍሲ ወከፎም ድማ፥ መስዋእቲ መኣዝ ከም ዘቕርቡን ኽነግር፥ ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ።
እተን ሸውዓተ መዓልቲ ኽውድኣ ምስ ቀረባ፥ ካብ ሃገር እስያ ዝመፁ ኣይሁድ፥ ንጳውሎስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረአይዎ፤ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኣለዓዒሎም ድማ ሓዝዎ።