11 እቲ ኻህን ድማ ነታ ሓንቲ ኽንዲ ስርየት ሓጢኣት ይሰውኣያ፤ ነታ ኻልአይቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣያ። ንምዉት ብምንካኡ ረኺሱ እዩ እሞ እቲ ኻህን የስተስርየሉ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ርእሱ ይቐድስ።
ንበጊዕ ዝኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ኸዓ ኽንዲ እቲ ዝገበሮ በደል ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን ንእግዚኣብሄር የቕርብ።
ከም ብሓድሽ ከዓ ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ይወፈ፤ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ ኸዓ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ የምፅእ። እቲ ናዝራዊነቱ ስለ ዝረኸሰ፥ እተን ቀዳሞት መዓልቲታት ከንቱ እየን።