1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
ያእቆብ ድማ “እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ዀነ፥ ኣብዛ ዝኸዳ ዘለኹ መንገደይ ከዓ እንተ ሓሊዩኒ፥ ዝበልዖ እንጀራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሂቡኒ፥
እቲ ሰብኣይ ከዓ ኻብ በደል ንፁህ ይኸውን፤ እታ ሰበይቲ ኸዓ ረኺሳ እንተ ኾይና በደላ ትፀውር።
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ናዝራዊ ክኸውን ንእግዚኣብሄር ክውፈ እንተ ተመባፅዐ፥