8 ግና እቲ ዝተበደለ ሰብ እንተ ሞተ፥ ወራሲ ዘይብሉ ድማ እንተ ኾነ፥ እቲ ገንዘብ ካሕሳ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ ነቲ ኻህን ይኹን። ምስቲ ኽንዲ ሓጢኣት ዝሕረድ ማጕላ ገይሩ ንኻህን ይሃቦ።
እቲ ኽንዲ መስዋእቲ በደልን ክንዲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዝኽፈል ገንዘብ ንኻህናት ደኣ ኾነ እምበር ናብቲ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ሳፁን ኣይኣተወን።
በቲ ኣብቲ ቕዱስ ነገር ዝገበሮ ሓጢኣት ይኽሓስ፤ ሓምሻይ ኣፍ ከዓ ይወስኸሉ፤ ንኻህን ድማ ይሃቦ። እቲ ኻህን ከዓ በቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ማጕላ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
ወይ ነቲ ብዝኾነ ነገር ሓስዩ ዝመሓለሉ ይምለሶ። ብምሉኡ ይምለሶ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ሓምሻይ ኢድ ይወስኸሉ። በታ ኽንዲ በደሉ መስዋእቲ ዘቕርበላ መዓልቲ ነቲ ዋናኡ ይምለሰሉ።
እቲ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእትን፥ ክንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእትን፥ ሕጉ ሓደ እዩ፤ እቲ ስጋ ብፅሒት ናይቲ ስርየት ሓጢኣት ዝገብር ካህን እዩ።
ሓጢኣት ብምግባሩ ይነሳህ። ነቲ ዝወሰዶ ይመልስ፤ ሓምሻይ ኢድውን ወሲኹ፥ ነቲ ዝበደሎ ይሃብ።
ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ናብ ካህን ዘምፅእዎ ቅዱስ መባእ ንእኡ ይኹን።