6 ንደቂ እስራኤል፥ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፥ ብዝኾነ መንገዲ፥ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ክተሓላለፍ ሰብ ዝሰርሖ ሓጢኣት እንተ ሰርሐ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ እቱይ በደል እንተ ኾነ፥
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
ንበጊዕ ዝኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ኸዓ ኽንዲ እቲ ዝገበሮ በደል ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን ንእግዚኣብሄር የቕርብ።
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦
ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ናብታ ምድሪ ገለዓድ መፂኦም ድማ ኸምዙይ በልዎም፦
ኢያሱ ድማ ንኣካን “ወደይ በይዛኻ፥ ሓቂ ኽትዛረብ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣማሕፅነካ ኣለኹ፤ ተናዘዝ፥ እንታይ ከም ዝገበርካ እንተይሓባእኻ ንገረኒ” በሎ።