5 እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦
ሓደ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ነገር እንተይፈለጠ በደል እንተ በደለ፥ ክንዲ በደሉ መስዋእቲ ዝቐርብ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ፥ ብሚዛን ቤተ መቕደስ ዝተገመተ ሰቕሊ ብሩር፥ ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ ንመስዋእቲ በደል ንእግዚኣብሄር የምፅእ።
ደቂ እስራኤል ድማ ኸምኡ ገበሩ፤ ካብቲ ሰፈርውን ኣውፅእዎም፤ ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝተናገሮ ገበሩ።
ንደቂ እስራኤል፥ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፥ ብዝኾነ መንገዲ፥ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ክተሓላለፍ ሰብ ዝሰርሖ ሓጢኣት እንተ ሰርሐ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ እቱይ በደል እንተ ኾነ፥