4 ደቂ እስራኤል ድማ ኸምኡ ገበሩ፤ ካብቲ ሰፈርውን ኣውፅእዎም፤ ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝተናገሮ ገበሩ።
ንጉስ ዖዝያን ድማ ኽሳዕ መዓልቲ ሞቱ ለምፂ ነበሮ፤ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ተወጊዱ ኸዓ ኣብ ፍልይቲ ቤት ይቕመጥ ነበረ። ወዱ ኢዮኣታም ድማ ኣዛዚ ቤተ መንግስቲ ነበረ፤ ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ የመሓድር ነበረ።
ደቂ እስራኤል ከዓ ኸይዶም ከምኡ ገበሩ፤ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።
ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።
ተባዕታይ ኮነ ኣንስተይቲ፥ ነቲ ኣነ ኣብ ማእኸሉ ዝሓድሮ ዘለኹ ሰፈሮም ከየርክሱ፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር ኣውፅእዎም በሎ።
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦