31 እቲ ሰብኣይ ከዓ ኻብ በደል ንፁህ ይኸውን፤ እታ ሰበይቲ ኸዓ ረኺሳ እንተ ኾይና በደላ ትፀውር።
ንፅድቅኻ ኸም ብርሃን፥ ንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኸምፅአልካ እዩ።
እንሆ ዅለን ነፍሳት ናተይ እየን፤ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ፥ ከምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ፥ ንሳ ኽትመውት እያ።
ምስ ሰበይቲ ሰብኣይ ዝዘመወ ሰብ፥ ምስ ሰበይቲ ብፃዩ ስለ ዝዘመወ፥ እቲ ዝዘመወን እታ ዝዘመወትን ይቀተሉ።
ወይ ንሰብኣያ መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ብሰበይቱ ኸዓ እንተ ቐንአ፥ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ። እቲ ኻህን ድማ ነዝ ዅሉ ሕጊ እዙይ ይፈፅም።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
ግና ዝኾነ ሰብ ንፁህ እንተሎ፥ መገሻውን ዘይከደ እንተሎ፥ ፋሲካ እንተ ዘየብዓለ፥ መባእ እግዚኣብሄር በቲ ምዱብ ጊዜ ስለ ዘየቕረበ፥ ካብ ህዝቡ ይፈለ። እቲ ሰብ እቱይ ሓጢኣቱ ኽፀውር እዩ።