30 ወይ ንሰብኣያ መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ብሰበይቱ ኸዓ እንተ ቐንአ፥ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ። እቲ ኻህን ድማ ነዝ ዅሉ ሕጊ እዙይ ይፈፅም።
መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ሰበይቱ ብምርካሳ ድማ እንተ ቐንአ፥ ወይ ንሳ ኸይረኸሰት እንተላ መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ንሰበይቱ ኸዓ እንተ ጠርጠራ፥
ሕጊ ቕንኣት እዙይ እዩ፦ ሰበይቲ ንሰብኣያ ጠሊማ እንተ ረኸሰት፥
እቲ ሰብኣይ ከዓ ኻብ በደል ንፁህ ይኸውን፤ እታ ሰበይቲ ኸዓ ረኺሳ እንተ ኾይና በደላ ትፀውር።