27 ነቲ ማይ ምስ ኣስተያ ኸዓ፥ ንሳ ረኺሳ፥ ንሰብኣያ ድማ ጠሊማቶ እንተ ኾይና፥ እቲ መርገም ዘምፅእ ማይ ክመርራ እዩ፤ ከብዳ ይንፋሕ፥ ማህፀና ይዅምተር፥ ሰለፋውን ይወድቕ፤ ኣብ ማእኸል ህዝባ ድማ መራገሚ ኽትከውን እያ።
ንመርገም ከም ክዳን ተኸደና፤ ከም ማይ ናብ መዓንጣኡ፥ ከም ቅብኢውን ናብ ኣዕፅምቱ ሰረፀት።
ካብ ሞት ዝመርር ነገርውን ረኸብኩ፤ እዚኣ መርበብ እትመስል፥ ልባ ኸዓ መፈንጠር፥ ኣእዳዋ ድማ መቝሕ ዝኾነት ሰበይቲ እያ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰናይ ዝኾነ ሰብ ካብኣ የምልጥ፤ ሓጥእ ግና ብኣኣ ይተሓዝ።
ኣብቶም ሕሩያተይ፥ ንስምኩም መራገሚ ጌርኩም ክትሓድግዎ ኢኹም፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ከዓ ኽቐትለኩም እዩ፤ ነቶም ባሮቱ ግና ብኻልእ ስም ክፅውዖም እዩ።
ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ኵሉ ስፍራታት ከዓ ንፀርፍን ንመመሰልን ንመላገፅን ንመርገምን ክኾኑ፥ ኣብ ቅድሚ ኵሉ መንግስታት ምድሪ እውን፥ ንመከራን ንስቓይን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክሰጎም፥ ኣብ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ኸዓ ፋሕ ከብሎም እየ። ኣብ ኵሎም እቶም ኣነ ናብኣቶም ዝሰጐጕክዎም ህዝብታት ድማ፥ ንመራገምን ንመገረምን ንመላገፅን ንመፃረፍን ክኾኑ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ዅላቶም ምሩኻት ይሁዳ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር! ከምቶም ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሓዊ ዝጠበሶም ሴዴቅያስን ኣክኣብን ይግበርካ፤ ኢሎም ክራገሙ እዮም።
ኣምላኽ እስራኤል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “ከምቲ ቝጥዓይን መዓተይን ኣብቶም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝፈሰሰ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ግብፂ ምስ ኣተኹም፥ ቍጥዓይ ናባኻትኩም ክፈስስ እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ንመሰክሕን ንመገረምን ንመራገምን ንመፃረፍን ክትኮኑ ኢኹም። ብድሕሪዙይውን ነዛ ቦታ እዚኣ ኣይትርእይዋን ኢኹም፤ ይብል።
እቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ክቕመጡ ኢሎም፥ ናብኣ ዝኸዱ ተረፍ ይሁዳ ዅሎም ክጠፍኡ እዮም፤ ኣብ ሃገር ግብፂ ኽወድቁ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ክጠፍኡ እዮም፤ ካብ ንኡስ ክሳዕ ዓብዪ ብሰይፊ ወይ ብጥሜት ክጠፍኡ እዮም። ንመሰክሕን ንመገረምን ንመራገምን ንመፃረፍን ከዓ ክኾኑ እዮም።
ኣቱም ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን ብኣህዛብ ምሳሌ ርግማን ከም ዝነበርኩም ሕዚ ግና ኸድሕነኩም እየ፤ በረኸት ድማ ኽትኮኑ ኢኹም፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣእዳውኩምውን ኣበርትዑ።”
ሰበይቲ ሰብኣይ እንተለኺ ጠሊምክዮ ረኺስኪ እንተ ዄንኪ ግና፥ እንትርፊ ምስ ሰብኣይኪ ምስ ካልእ ደቂስኪ እንተ ዄንኪ፥
እታ ሰበይቲ ዘይረኸሰት ንፅህቲ እንተ ኾይና ግና ሓራ እያ፤ ውላድ ከዓ ኽትረክብ እያ።
ካብቲ ሕዚ እትሓፍሩሉ ዘለኹም ነገራት፥ እንታይ ኣፍረኹም? መወዳእታ ናይቲ ነገራት እቱይ፥ ሞት እዩ እሞ።
ነዚኣቶም፥ ካብ ሞት ናብ ሞት ዘብፅሕ መዓዛ፥ ነቲኣቶም ከዓ፥ ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዘብፅሕ መዓዛ ኢና። ነዝ ነገርዙይ ብቑዕ እየ ዝብልከ መን ኣሎ?
ኣብ ማእኸል እቶም እግዚኣብሄር ናብኣቶም ዘእተወኩም ኵሎም ኣህዛብ ከዓ፥ መገረሚን መመሰሊን መፅረፊን ክትኮኑ ኢኹም።
ብሕልፊ እኳ፥ ደድሕሪ እቲ ርኹስ ዝኾነ ስጋዊ ፍትወቶም ንዝስዕቡ፥ ንስልጣን እግዚኣብሄርውን ንዝንዕቑ፥ ንፍርዲ ኸፅንሖም እዩ። ደፋራትን ትዕቢተኛታትን ስለ ዝኾኑ፥ ነቶም ናይ ሰማይ ስልጣናት እንትፃረፉ ኣይፈርሑን።