26 ሽዑ እቲ ኻህን ካብቲ መስዋእቲ እኽሊ ንመዘከርታ ብኽልተ ኢዱ ሓፊኑ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቃፅሎ፤ ብድሕሪኡ ነታ ሰበይቲ እቲ ማይ የስትያ።
ናብቶም ካህናት፥ ደቂ ኣሮን የምፅኣዮ። እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ዘይትን ዕጣንን ዝተሓወሶ ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ፥ ብምሉኡ ኸም ዝተሰውአ ምእንቲ ኸርኢ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ ቍርባን፥ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።
እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ቝርባን እኽሊ ንመዘከርታ ዝኸውን ኣልዒሉ፥ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።
ናብቲ ኻህን ድማ የምፅኣዮ፤ እቲ ኻህን ከዓ ብምሉኡ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተሰውአ ምእንቲ ኸርኢ ኻብኡ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ፥ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝግበር መስዋእቲ የቃፅሎ። እዙይ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
እቲ ኻህን ካብኡ፥ ካብቲ ናይ ቍርባን እኽሊ ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ የልዕል፤ ካብ ዘይቲ ድማ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ቝርባን እኽሊ ዘሎ ዅሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከሪ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ።
እቲ ኻህን ድማ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ይውሰዶ፤ ነቲ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞ፤ ናብ መሰውኢውን የቕርቦ።