25 እቲ ኻህን ድማ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ይውሰዶ፤ ነቲ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞ፤ ናብ መሰውኢውን የቕርቦ።
ነዝ ዅሉ ድማ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንብሮ፤ ሽዑ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኣቕርበለይ።
ነዝ ዅሉ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንበሮ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወፈዮ።
ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቱ ናብ ካህን የምፅኣያ። ብዛዕባኣ ኸዓ ንመስዋእቲ ዝኸውን ሓደ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ስገም የምፅእ። ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ እዩሞ፥ በደል ዘዘክር መስዋእቲ እኽሊ እዩ እሞ፥ ዘይቲ ኣየፍስሰሉ፤ ዕጣንውን ኣይግበረሉ።
እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኣቢሉ ርእሳ ይቕልዓያ፤ ነቲ በደል ዘዘክር መስዋእቲ እኽሊ፥ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ፥ ኣብ ኢዳ የትሕዛ፤ ነቲ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ ከዓ ኣብ ኢዱ ይሓዞ።
ነታ ሰበይቲ ኸዓ ነቲ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ የስትያ፤ እቲ መርገም ዘምፅእ ማይ ድማ ምስ ኣተወ ኽመርራ እዩ።
ሽዑ እቲ ኻህን ካብቲ መስዋእቲ እኽሊ ንመዘከርታ ብኽልተ ኢዱ ሓፊኑ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቃፅሎ፤ ብድሕሪኡ ነታ ሰበይቲ እቲ ማይ የስትያ።