24 ነታ ሰበይቲ ኸዓ ነቲ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ የስትያ፤ እቲ መርገም ዘምፅእ ማይ ድማ ምስ ኣተወ ኽመርራ እዩ።
“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እቲ ኻህን ነዝ መርገም እዙይ ኣብ መፅሓፍ ይፅሓፎ፤ ኣብቲ መሪር ማይ ኣሊኹ ኸዓ ይደምስሶ።
እቲ ኻህን ድማ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ይውሰዶ፤ ነቲ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞ፤ ናብ መሰውኢውን የቕርቦ።