22 ከብድኺ ኽነፍሕ ሰለፍኪ ኸዓ ኸማስን፥ እዝ መርገም ዘምፅእ ማይ እዙይ ናብ ውሽጥኺ ይእቶ” ይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ “ኣሜን፥ ኣሜን” ትበል።
ንመርገም ከም ክዳን ተኸደና፤ ከም ማይ ናብ መዓንጣኡ፥ ከም ቅብኢውን ናብ ኣዕፅምቱ ሰረፀት።
ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም፥ ናይ እስራኤል ኣምላኽ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ኣሜን፤ ኣሜን።
ስም ምስጋናኡውን ንዘለኣለመ ኣለም ይባረኽ፤ ኵላ ምድሪ እውን ብኽብሩ ትምላእ። ኣሜን! ኣሜን!
እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይመስገን። ኣሜን! ኣሜን!
ፍረ መንገድኹም ክትበልዑ፥ ካብ ምኽርኹምውን ክትፀግቡ ኢኹም።
ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከብድኻ ኣፅግብ፥ ንውሽጢ ኸብድኻውን በዛ ዝህበካ መፅሓፍ ምልኣዮ” በለኒ፤ ሽዑ በላዕኽዋ፤ ኣብ ኣፈይውን ከም መዓር ጠዐመት።
እቲ ኻህን ነዝ መርገም እዙይ ኣብ መፅሓፍ ይፅሓፎ፤ ኣብቲ መሪር ማይ ኣሊኹ ኸዓ ይደምስሶ።
ነቲ ማይ ምስ ኣስተያ ኸዓ፥ ንሳ ረኺሳ፥ ንሰብኣያ ድማ ጠሊማቶ እንተ ኾይና፥ እቲ መርገም ዘምፅእ ማይ ክመርራ እዩ፤ ከብዳ ይንፋሕ፥ ማህፀና ይዅምተር፥ ሰለፋውን ይወድቕ፤ ኣብ ማእኸል ህዝባ ድማ መራገሚ ኽትከውን እያ።
ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፥ እንፈልጦ ንዛረብ፤ ዝረአናዮውን ንምስክር፤ ንምስክርነትና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም።
ኢየሱስ ድማ “ሰብ ካልኣይ እንተ ዘይተወሊዱ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ክሪኣ ኸቶ ኸም ዘይኽእል፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
ስለዙይ ድማ ኢየሱስ ከምዙይ በሎም፦ “ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበሊዕኹም፥ ደሙውን እንተ ዘይሰቲኹምስ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘይብልኩም፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።