21 እግዚኣብሄር ማህፀንኪ ኸም ዝዅምተር፥ ከብድኺ ኸም ዝንፋሕ ብምግባር፥ ኣብ ማእኸል ህዝብኺ መራገምን መምሓልን ይግበርኪ።
ንስኻ ድማ ካብ ፅንዓት እቲ ሕማም ዝተልዓለ ኣምዑትካ በብጊዜኡ ኽሳዕ ዝወፅእ፥ ብብርቱዕ ሕማም ኣምዑት ክትውቃዕ ኢኻ።”
ምስቶም ኣሕዋትና ዝኾኑ መራሕትን ሓቢሮም ነቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ባርያኡ ሙሴ ገይሩ ዝሃቦም ሕጊ ኣምላኽ ክፍፅሙ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝሃቦም ትእዛዛትን ፍርድታትን ሕግጋትን ኵሉ ኽሕልዉዎን ክፍፅምዎን ማሕላን መርገምን ገበሩ።
ናይ ፃድቃን መዘከርታ ንበረኸት እዩ፤ ስም ሓጥኣን ግና ይጠፍእ።
ኣብቶም ሕሩያተይ፥ ንስምኩም መራገሚ ጌርኩም ክትሓድግዎ ኢኹም፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ከዓ ኽቐትለኩም እዩ፤ ነቶም ባሮቱ ግና ብኻልእ ስም ክፅውዖም እዩ።
እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ዅላቶም ምሩኻት ይሁዳ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር! ከምቶም ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሓዊ ዝጠበሶም ሴዴቅያስን ኣክኣብን ይግበርካ፤ ኢሎም ክራገሙ እዮም።
ነቲ ማይ ምስ ኣስተያ ኸዓ፥ ንሳ ረኺሳ፥ ንሰብኣያ ድማ ጠሊማቶ እንተ ኾይና፥ እቲ መርገም ዘምፅእ ማይ ክመርራ እዩ፤ ከብዳ ይንፋሕ፥ ማህፀና ይዅምተር፥ ሰለፋውን ይወድቕ፤ ኣብ ማእኸል ህዝባ ድማ መራገሚ ኽትከውን እያ።
ንሱ ኸዓ “ነቲ ሰብ እቱይ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ኽምሕልን ንባዕሉ ኽረግምን ጀመረ። ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ደርሆ ነቀወ።
በታ ጊዜ እቲኣ ኢያሱ “ንኸተማ ኢያሪኮ ኽሰርሓ ኢሉ ዝለዓል ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉም ይኹን። ንኣኣ እንትስርት በዅሪ ወዱ፥ ደገታታ እንተቕውም ከዓ እቲ ንእሽተይ ወዱ ይጥፋእ” ኢሉ መሓለ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ሳኦል “ንፀላእተይ ሕነ ኽሳዕ ዝፈድዮም፥ ክሳዕ ምሸት እንጀራ ዝበልዕ ሰብ ርጉም ይኹን” ኢሉ ነቶም ህዝቢ ኣምሒልዎም ስለ ዝነበረ፥ ሰብ እስራኤል ደኺሞም ነበሩ። ካብቶም ህዝቢ ኸዓ እንጀራ ዝጠዓመ ሓደ እኳ ኣይነበረን።