Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 5:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ሕማም ለምፂ ንዘለዎ ዅሉን፥ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ንዝፈስሶ ዅሉን፥ ሬሳ ብምንካእ ንዝረኸሰ ዅሉን፥ ካብ ሰፈር ከውፅእዎ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 5:2
15 Referencias Cruzadas  

ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ድማ ለምፂ ዝሓዞም ኣርባዕተ ሰባት ነበሩ። ንስንሳቶም ከዓ “ስለ ምንታይ ኢና ኽሳዕ እንመውት ኣብዙይ እንቕመጥ?


እቲ ሕማም ለምፂ ዘለዎ ሰብ ክዳኑ ቕዱድ ይኹን፤ ርእሱ ኸዓ ይቀላዕ፤ ከንፈሩ እውን ይኽደን፤ “ዝረኸስኩ እየ፤ ዝረኸስኩ እየ” እናበለ ኸዓ ዓው ኢሉ ይናገር።


ሕማም ለምፂ ክሳዕ ዘለዎ ዝረኸሰ ይኹን፤ ረኺሱ እዩ እሞ ንበይኑ ይቀመጥ፤ መንበሪኡ ኸዓ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ይኹን።


እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ እቲ ሽሕር ኣብቲ ቘርበት ሰፊሑ እንተ ፀንሐ፥ ንሱ ሕማም ለምፂ እዩ፤ ሽዑ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።


እቲ ዝነፅሀ ሰብ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ኵሉ ፀጕሩ ድማ ይላፀ፤ ብማይ እውን ይተሓፀብ፤ ሽዑ ይነፅህ፤ ድሕሪዙይ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ፤ ግና ኣብ ወፃኢ ድንኳን ሸውዓተ መዓልቲ ይቀመጥ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ነቶም ደቂ ኣሮን ካህናት ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ ኻህን ሓደ ኻብ ህዝቡ እንተ ሞተ ኣብ ቀብሪ ብምስታፍ ኣይርከስ፤


በታ መዓልቲ እቲኣ ንባዕሉ ዘየዋርድ ሰብ ካብ ህዝቡ ይወገድ።


እቲ ደመና ኻብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ኣግለሰ፤ እንሆ ኸዓ ንማርያም ለምፂ ሓዛ፤ ከም በረድውን ፃዕደወት። ኣሮን ድማ ናብ ማርያም ግልፅ በለ፤ እንሆ ኸዓ ሕማም ለምፂ ሒዝዋ ነበረ።


እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ኣቦኣ ኣብ ገፃ እንቱፍ ኢሉላ እንተ ዝኸውን፥ ሸውዓተ መዓልቲዶ ኣይምሓፈረትን ነይራ? ኣብ ወፃኢ ሰፈር ሸውዓተ መዓልቲ ትተዓፆ፤ ብድሕሪኡ ኸዓ ናብ ሰፈር ትእቶ” በሎ።


“ካባኻትኩም ሰብ ዝቐተለ፥ ዝተቐትለውን ዝነኽአ ኽሳዕ ሸውዓተ መዓልቲ ኻብ ሰፈር ወፂኡ ይፅናሕ። ንሳቶምን ምሩኻቶምን ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሻውዐይቲ መዓልትን ርእሶም የንፅሁ።


እግዚኣብሄር ንሙሴ


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos