19 ሽዑ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ መርገም ብዘስዕብ ማሕላ የምሕላ፤ ከምዙይ ከዓ ይበላ፦ “ምስ ካልእ ሰብኣይ ዘይደቀስኪ እንተ ዄንኪ፥ ሰበይቲ ሰብኣይ እንተለኺ ጠሊምክዮ ዘይረኸስኪ እንተ ዄንኪ፥ እዝ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ ኣይጕዳእኺ።
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ንሰብኣይ ሰበይቱ እንተ ጠለመቶ፥ ብምዝማዋ ኸዓ እንተ በደለቶ፥
እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኣቢሉ ርእሳ ይቕልዓያ፤ ነቲ በደል ዘዘክር መስዋእቲ እኽሊ፥ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ፥ ኣብ ኢዳ የትሕዛ፤ ነቲ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ ከዓ ኣብ ኢዱ ይሓዞ።
እታ ሰበይቲ ዘይረኸሰት ንፅህቲ እንተ ኾይና ግና ሓራ እያ፤ ውላድ ከዓ ኽትረክብ እያ።
ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ ክትነግረና በቲ ህያው እግዚኣብሄር ኣማሕፅነካ ኣለኹ!” በሎ።
ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብሕጊ ምስኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ዝተኣሰረትሉ ሕጊ ፍትሕቲ እያ።