17 እቲ ኻህን በቕሓ መሬት ገይሩ ቅዱስ ማይ ይውሰድ፤ ካብቲ ኣብ ምድሪ ቤት ድንኳን ዘሎ ሓመድ ወሲዱ ኸዓ ኣብቲ ማይ ይግበር።
ካብ ርሑቕ ኣማዕድዮም ጠሚቶም ምልላዩ ምስ ሰኣኑ ግና፥ ዓው ኢሎም በኸዩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ኽዳውንቶም ብጓሂ ቐደዱ፤ ናብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱ።
“ንመሕፀቢ ዝኸውን እግሪ ዘለዎ ሸሓነ፥ ብነሃስ ጌርካ ስራሕ። ኣብ መንጎ እቲ መራኸቢ ድንኳንን መሰውእን ኣንብሮ እሞ ማይ ግበረሉ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ተስፋ፥ እቶም ሓዲጎሙኻ ዝኸዱ ዅሎም፥ ክሓፍሩ እዮም። እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር፥ ንዘይነፅፍ ዓይኒ ማይ ህይወት ስለ ዝሓደጉ፥ ኣብ ምድሪ ኽፀሓፉ እዮም።
ገና ተስፋ ዝኾኖ እንተ ኾይኑ፥ ኣፉ ኣብ ውሽጢ ሓመድ የንብር።
እቲ ኻህን ድማ ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ።
እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኣቢሉ ርእሳ ይቕልዓያ፤ ነቲ በደል ዘዘክር መስዋእቲ እኽሊ፥ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ፥ ኣብ ኢዳ የትሕዛ፤ ነቲ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ ከዓ ኣብ ኢዱ ይሓዞ።
እዙይ ኢሎም ዝፈተንዎ፥ ምኽንያት መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ ኢሎም እዮም። ኢየሱስ ግና ድንን ኢሉ፥ በፃብዕቱ ኣብ ምድሪ ኽፅሕፍ ጀመረ።
መሊሱውን ደኒኑ በፃብዕቱ ኣብ ምድሪ ፀሓፈ።