14 መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ሰበይቱ ብምርካሳ ድማ እንተ ቐንአ፥ ወይ ንሳ ኸይረኸሰት እንተላ መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ንሰበይቱ ኸዓ እንተ ጠርጠራ፥
ቅንኢ ንሰብኣይ ብቝጥዓ የንድዶ እዩ እሞ፥ ሕነ ኽፈዲ እንተሎ ኣየናሕስን እዩ።
ፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል እያ፤ ቅንኣትውን ከም ሲኦል ጨካን እዩ፤ ረስና ኸም ሓዊ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፥ ከም ማዕተብ ኣብ ቅልፅምካ ኣንብረኒ።
“መዓተይን ርሱን ቍጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም፥ ንኣህዛብ ክእክቦም፥ ንመንግስታት ከዓ ንምትእኽኻብ ፍርደይ እዩ እሞ፥ ክሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዓለላ መዓልቲ ተፀበዩኒ፤ ኵላ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣተይ ክትነድድ እያሞ” ይብል እግዚኣብሄር።
ወይ ንሰብኣያ መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ብሰበይቱ ኸዓ እንተ ቐንአ፥ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ። እቲ ኻህን ድማ ነዝ ዅሉ ሕጊ እዙይ ይፈፅም።
እምበኣርከ ንእግዚኣብሄርዶ ኽነቕንኦ? ንሕናዶ ኻብኡ ንብርትዕ ኢና?