10 ኵሉ እቲ ዝኾነ ሰብ ዝቐደሶ ነገር ንእኡ ይኹን፤ ኵሉ እቲ ሰብ ንኻህን ዝህቦ ድማ ነቲ ኻህን ይኹን በሎም።
እዙይ ኣሮንን ደቁን ካብ ደቂ እስራኤል ዝቕበልዎ ብፅሒት ንዘለኣለም ሕጊ ይኹን። እዝ ብፅሒት እዙይ፥ ካብቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ዝለዓል መስዋእቲ ምስጋና እዩ።
እዙይ ካብቲ ብሓዊ ሓሊፉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ግቡእኻን ግቡእ ደቕኻን እዩ እሞ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ፤ እግዚኣብሄር ከምኡ ኣዚዙኒ እዩ እሞ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝወሃብ ግብሪ ንኻህን ኣልኣዛር ሃቦ።
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦