7 “ነቲ ሕብስቲ ቝርባን ዘንብሩሉ ጠረጴዛ ድማ ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑሉ። ኣብኡ ኸዓ ሒላባትን ውንጭሕትታትን ፅዋዓትን እቶም ንመስዋእቲ መስተ ዝኾኑ ዅስኵስትታትንውን ይስርዑ፤ እቲ ዅልሻዕ ኣብኡ ዘንብርዎ ሕብስቲ ቝርባን ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን።
ኣብ ልዕሊ እዙይ ድማ ቐይሕ ግምጃ ይዘርግሑሉ፤ ንእኡ ኸዓ ብቘርበት እንስሳ ዝተሰርሐ መኽደኒ ገይሮም ይኽደንዎ፤ መፃውራትውን የእትዉሉ።