47 ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ብምግልጋልን ብምፅዋርን ክሰርሑ ዝመፁ ዅሎም፥
ከምቲ ዳዊት ኣብ መወዳእታ ዝኣዘዞ፥ ልዕሊ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ደቂ ሌዊ ተቘፀሩ።
ዕድመኣቶም ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ዝኾኑ ሌዋውያን ከዓ ተቘፀሩ፤ ብዝሖም ድማ ሰላሳን ሸሞንተን ሽሕ ሰብኡት ነበረ።
“ኣሮንን ደቁን ነቲ መቕደስን ኣቑሑ ዅሉ ንዋያተ ቕድሳቱንውን ሸፊኖም ምስ ወድኡ፥ ካብቲ ሰፈር እንትለዓሉ ድማ፥ ደቂ ቃዓት ክፆሩ ይምፅኡ። ከይሞቱ ግና፥ ነቲ ንዋየ ቅድሳት ኣይንክእዎ። ምፅዋር እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ሓላፍነት ደቂ ቃዓት እዩ።
ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ቝፀሮም” በሎ።
ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንዝኣትዉ ዅሎም ቍፀሮም።
እቶም ካብ ዓሌታት ቃዓት ዝተቘፀሩ ኣብ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉ ዅሎም፥ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም።
እቶም ሙሴን ኣሮንን ሹመኛታት ደቂ እስራኤልን፥ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ዝቘፀርዎም ኵሎም ሌዋውያን፥
ሸሞንተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሰማንያን ነበሩ።