44 ሰለስተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ።
ንሳቶም ዕድመኣቶም ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ምስ ተቘፀሩ ሽዱሽተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ።
ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኣትዉ ዅሎም፥
እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ሜራሪ ዝተቘፀሩ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ሙሴን ኣሮንን ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም።
ኣብ ሰብ ካብ ዝበፅሕ ፈተና ንላዕሊ ኣይበፅሐኩምን። ስለዙይ፥ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ዘይፈቅድ እግዚኣብሄር፥ እሙን እዩ። ምፅዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ ግና፥ ምስቲ ፈተና መውፅኢ ኽገብረልኩም እዩ።
ኣሳእንካ ሓፂንን ነሃስን ይኹን፤ ሓይልኻ ድማ ኸም ምሉእ ዕድሜኻ ይኹን።”