41 እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ጌድሶን ዝተቘፀሩ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉ ዅሎም፥ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም።
ሙሴ ድማ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገይሩ ቘፀሮም።
ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ።
እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ሜራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ዝተቘፀሩ ድማ፥
ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎቱ ተውሃቦ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ፀፆሩ ተነግሮ። ስለዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ተቘፀሩ።