40 ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ።
ሓለቓ ሹመኛታት ሌዋውያን ከዓ ኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮን እዩ። ንሱ ነቶም መቕደስ ክሕልዉ ዝተመረፁ ሓለቓኣቶም ነበረ።
ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ዅሎም፥
እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ጌድሶን ዝተቘፀሩ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉ ዅሎም፥ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም።