38 እቶም ካብ ደቂ ጌድሶን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ዝተቘፀሩ ድማ፥
ከምኡውን ነቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ዝተፅሓፉ ኻህናት፥ ነቶም ልዕሊ ደቂ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ኣብ ከክፍሎም ከከም ኣገልግሎቶም ዝተፅሓፉ ሌዋውያን ይዕድልዎም ነበሩ።
ብዝሒ እቶም ዕድመኣቶም ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾኑ ዅሎም ተባዕትዮ፥ ሸውዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዩ።
እቶም ካብ ዓሌታት ቃዓት ዝተቘፀሩ ኣብ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉ ዅሎም፥ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም።
ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ዅሎም፥