34-35 ሙሴን ኣሮንን እቶም ሹመኛታት ህዝቢ እስራኤልን ንደቂ ቀዓታውያን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን፥ ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ሓምሳ ዓመት ንዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንዝኣትዉ ዅሎም ቈፀርዎም።
እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት ነበሩ። ዕድሜኣቶም ልዕሊ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ኣብ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ይሰርሑ ነበሩ። ኵሎም በብስሞም ኣብ መዝገብ ዝተፅሓፉ ደቂ ሌዊ ነበሩ።
ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሓደ ሓለቓ ማይ ቤት ምሳኻትኩም ይኹን።
ዓሌት ኣሞራውያንን ዓሌት ይፅሃራውያንን ዓሌት ኬብሮናውያንን ዓሌት ዑዚኤላውያንን ካብ ቃዓት ዝውለዱ እዮም። ወገን ቀዓታውያን እዚኣቶም እዮም።
ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣገልግሎት ደቂ ሜራሪ እዙይ እዩ። ኵሉ ኣገልግሎቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታምር ወዲ ኻህን ኣሮን ይኹን።”