32 ኣዕምዲ እቲ ብዙርያኡ ዘሎ ቕፅርን፥ ኣእጋሩን ሽኻላቱን ገመዳቱን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምስቲ ዝዓዩሉ ዅሉን ይፁሩ። ነቲ ነፍሲ ወከፍ ዝፆሮ ኣቕሓ ፀሓፎ።
ገሊኣቶም እውን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑ፥ ኣብ ኵሉ ኣቑሑ ቤተ መቕደስ ዋናታት ነበሩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ልሑም ሕሩጭን ወይንን ዘይትን ዕጣንን ቀመማትን ከዓ ሹመኛታት ነበሩ።
ነቲ ድንኳንን ነቲ ኣቑሑኡን ከምቲ ኣነ ዘርእየካ ጌርካ ስርሓዮ።
“ነቲ ድንኳን ቕፅሪ ግበረሉ። ብወገን ደቡብ ነቲ ቕፅሪ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ጌርካ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ግበረሉ።
ኣእጋር እቲ ኣዕምዲ ድማ፥ ካብ ነሃስ ነበረ። ናይቶም ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ከዓ ብሩር ነበረ። ጕልላት እቲ ኣዕምዲ ድማ፥ ብብሩር ተለቢጡ ነበረ፤ ኵሉ ኣዕምዲ እቲ ቕፅሪ እውን ዘንግታት ብሩር ነበሮ።
ነቲ መሕደሪ ድንኳን ንሱውን እቲ ናይ ምስክር ድንኳን ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፥ ሌዋውያን ብኢታምር ወዲ ኻህን ኣሮን ተመሪሖም፥ ዘቕረብዎ ፀብፃብ ኣቑሑ እዙይ እዩ።
ደቂ ሜራሪ ዝተመረፅዎ፥ ሓለዋ ሉሕ ድንኳንን ወርወሩን ኣዕምዱን ኣእጋሩን ኵሉ ኣቑሑኡን ምስ ኵሉ መሳርሒኡን፥
ኵሉ ኣቑሑ ናይቲ መራኸቢ ድንኳን ስራሕ ንኽሰርሑ፥ ኣብቲ ናይቲ መራኸቢ ድንኳን ኵሉ ኣቑሑ ይሓልዉ፤ ንደቂ እስራኤል ንምግልጋል ዘድሊ ኹሉ ይሓልዉ።
ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ እንተለዉ ዝፍፅምዎ ተግባራት እዙይ እዩ፦ ሉሕ ድንኳንን ወርወሩን ኣዕምዱን ኣእጋሩን፥
ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣገልግሎት ደቂ ሜራሪ እዙይ እዩ። ኵሉ ኣገልግሎቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታምር ወዲ ኻህን ኣሮን ይኹን።”
ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎቱ ተውሃቦ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ፀፆሩ ተነግሮ። ስለዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ተቘፀሩ።
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሙሴ ነቲ ድንኳን ተኺሉ ምስ ወድአ፥ ንእኡን ንዅሉ ኣቑሑኡን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፥ ነቲ መሰውእን ንዅሉ ኣቑሑኡንውን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን።
ንደቂ ሜራሪ ኸዓ ኸም መጠን ኣገልግሎቶም፥ ኣርባዕተ ሰረገላታትን ሸሞንተ ኣብዑርን ሃቦም። እዚኣቶም ኵሎም ኣብ ትሕቲ ኢታምር ወዲ እቲ ኻህን ኣሮን ዘገልግሉ እዮም።