31 ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ እንተለዉ ዝፍፅምዎ ተግባራት እዙይ እዩ፦ ሉሕ ድንኳንን ወርወሩን ኣዕምዱን ኣእጋሩን፥
“ነቲ ድንኳን ድማ ኻብ ዕንፀይቲ ሰራው ዝተፀርበ ደው ዝብል ሉሕ ግበረሉ።
ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንዝኣትዉ ዅሎም ቍፀሮም።
ኣዕምዲ እቲ ብዙርያኡ ዘሎ ቕፅርን፥ ኣእጋሩን ሽኻላቱን ገመዳቱን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምስቲ ዝዓዩሉ ዅሉን ይፁሩ። ነቲ ነፍሲ ወከፍ ዝፆሮ ኣቕሓ ፀሓፎ።